Fana: At a Speed of Life!

ኣገልግሎት ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ምጅማሩ ኣይሲቲ ሞተር ምዕባለ ጉዕዞና ብምግባር ናይ ምንቅስቓስና መርኣያ ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ምጅማሩ ኢንፎርሜሽን ኮሙኒኬሽን ቴክኖሎጂ ሞተር ምዕባለ ጉዕዞና ብምግባር ናይ ምንቅስቓስና መርኣያ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ብብርኪ ሃገር ኣገልግሎት ኢንነተርኔት መጀመሪ መርሃ ግብሪ ኣብ ኣደባባይ ሕውነት ይሰሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፥ ፕሬዚዳንት ኬኒያ ዊሊያም ሩቶ ፣ ኣመራርሓ እቲ ኩባኒያን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኣገልግሎት ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ምጅማሩ ኢንፎርሜሽን ኮሙኒኬሽን ቴክኖሎጂ ሞተር ምዕባለ ጉዕዞና ብምግባር ናይ ምንቅስቓስና መርኣያ ኢዩ ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ዊሊያም ሩቶ ብግደኦም፥ ኣገልግሎት ሳፋሪ ኮም ኣብ ኢትዮጵያ ምጅማሩ ቀጣናዊ ምትእስሳር ዘጠናኽር ኢዩ ኢሎም።

ሳፋሪኮም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከምኡውን ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ድሬዳዋ፣ ባህርዳር፣ ኣወዳይ፣ ጎንደር ፣ሞጆ፣ ሃረር፣ ኣዳማ፣  ቢሾፍቱን ደብረ ብርሃንን ኣገልግሎት ፈተነ ኔት ዎርክ ጀሚሩ ኢዩ።

እቲ ኩባንያ (+2517) ኮድ ኢዩ ኣገልግሎቱ ምሃብ ጀሚሩ።

ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓማውቲ 8 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ፈሰስ ብምግባር እቲ ዓውዲ ንምምሕያሽ ትልሚ ከምዝሓዘ ተሓቢሩ።

ብብስራት መለሰ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.