Fana: At a Speed of Life!

ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ብሕልፈት ነበር ፕሬዚዳንት ቻይና ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ታገሰ ጫፎ ብሕልፈት ነበር ፕሬዚዳንት ቻይና ጂያንግ ዜሚን ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።

እቶም ኣፈ ጉባኤ÷ ኣብ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ተረኺቦም ኢዮም ብሕልፈት ነበር ፕሬዚዳንት ቻይና ጂያንግ ዜሚን ዝተሰመዖም ሓዘን ንህዝቢን መንግስቲን ቻይና ዝገለፁ፡፡

ነበር ፕሬዚዳንት ቻይና ጂያንግ ዜሚን ንሰላምን ምርግጋእን ዓለም ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ዘበርከቱ መራሒ ቻይና ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሮም።

ኣይተ ታገሰ ጫፎ÷ ንህዝቢን መንግስቲን ቻይና ከምኡ እውን ንመላእ ስድራቤት ፅንዓት ምምናዮም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.