Fana: At a Speed of Life!

ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ዝሳተፉሉ ‘ናትና ፍርያት’ ዝተባህለ ኤግዚቢሽንን ባዛርን ኣብ ዝቕፅል ታሕሳስ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2016፣ (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ዝሳተፉሉ ኤግዚቢሽንን ባዛርን ”ኢትዮጵያ ተፍሪ ንሕና ንዓድግ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 3 ክሳብ 7 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም  ከምዝካየድ ልምዓት  ኢንተርፕራይዝ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ፅሬት ዘለዎ ፍርያት ንኸፍርዩን ብብርኪ ዓለም ተወዳደርቲ ንኽኾኑን ብትኹረት እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ።

ኣፍረይቲ ኢንተርፕራይዛት ንምብርትታዕ ብዙሓት ኢንተርፕራይዞች ዝሳተፉሉ ኤግዚቢሽንን ባዛርን ከምዝተሰናደአ እውን ተሓቢሩ።

እቲ መድረኽ ኢንተርፕራይዛት ኣብ ምፍላጥ ፍርያት፣ ምትእስሳር ዕዳጋ፣ ስግግር ቴክኖሎጂ፣ ልውውጥ ልምዲን ሓበሬታን ንኽገብሩ ግድኡ ዕዙዝ ኢዩ ተባሂሉ።

ካብ ዝቕፅል 3 ክሳብ 7 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሆቴል ስካይላይት ንዝካየድ ኤግዚቢሽንን ባዛርን ኣድላዪ ምድላው ከምዝተገበረ እውን ተገሊፁ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.