Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪና ራይድ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣብ ከተማ መቐለ ክጀምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣፍሪና ራይድ ዝተብሃለ ትካል ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣብ ከተማ መቐለ ንምጅማር ምድላዋቱ ከም ዝወገነ ኣፍሊጡ።

እቲ ትካል ቅድሚ ሐዚ ኣብ ታክስን ካልኦት መጓዓዝያን ኣብ ተሳፈርቲ ይበፅሕ ንዝነበረ ፀገማት ንምፍታሕ ዝሕግዝ ስራሕቲ ከምዝሰርሕ ገሊፁ።

ነዚ ድማ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ናይ ትራንስፖርት ኣገልግሎት ከምዝህብ ተዛሪቡ።

እቲ ግልጋሎት ኣብ ከተማ መቐለ ዝጅምር እንትኸውን፥ ናብ ኩለን ከተማታት ትግራይ ከምዝተኣታተው አውን ተሓቢሩ።

እቲ ግልጋሎት መጓዓዝያ፥ ስማርት ፎን ንዘለዎም sos ዝተብሃለ ኣፕሊኬሽን ካብ ኢንቴርነት ብምውራድ እዚ ዓይነት ሞባይል ክጥቀሙ ንዘይክለይክእሉ ወገናት ድማ ናብ 6097 መስመር ብምድዋል እቲ ግልጋሎት ምርካብ ከም ዝከኣል ተገሊፁ።
ብተወሳኺ ካብ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ተመሪቖም ስራሕ ንዘይብሎም 70 ሚእታዊ ሓገዝ ብምግባር ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብምዝታይ ዕድል ስራሕ ከም ዝፈጥሩ ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.