Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካ መፈተኒት ክታበት ኮቪድ-19 ክትከውን ከምዘይብላ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዳይሬክተር ጄነራል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ “ክታበት ቫይረስኮሮና ኣብ ኣፍሪካ ክፍተን ኣለዎ” ንዝብል ርእይቶ ብትሪ ነቒፎም።

ነቲ ርእይቶ ዘቕረቡ ክልተ ፈረንሳውያን ዶኳትር እንትኾበኑ “ዓሌታዊ” ክብሉ ዶክተር ቴድሮስ ከምዝነፀግዎ ተገሊፁ።

“ኣፍሪካ ንዝኾነ ዓይነት ክታበት መፈተኒት ክትከውን ኣይትኽእልን ኣይትኸውንን እውን” ክብሉ ነቲ ርእይቶ ብትሪ ከምዝተቓወምዎ ድማ ተሓቢሩ።

እቶም ክልተ ርእይቶ ወሃብቲ ኣብ ፕሮግራም ቴለቪዥን ቀሪቦም ዝሃብዎ ሓሳብ፥ ንብዙሓት ከቖጥዕ ክኢሉ ተባሂሉ።

መበገሲ እቲ ነቐፌታ፥ ንኣፍሪካውያን ከም ኣናፁ ብምሕሳቦም ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።
ስለዝኾነ ሓደ ካብቶም ዶኳትር ፀኒሑ ይቕረታ ከምዝሓተተ ተገሊፁ።

ይኹን እምበር ብዛዕባ’ዚ ዝተሓተቱ ዶክተር ቴድሮስ፥ ነቲ ርእይቶ ዶኳትር ሕዳር ናይ መግዛእታዊ ኣተሓሳስባ ኢዩ ክብሉ ከምዝገለፅዎ ተሓቢሩ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.