Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2030 ጥሜት ንምጥፋእ ኣብ ዘኽእል መገዲ ኣይኮነትን – ፋኦ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍሪካ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2030 ጥሜት ንምጥፋእ ኣብ ዘኽእል መገዲ ከምዘይኮነት ዓለም ለኸ ትካል ምግቢን ሕርሻን (ፋኦ) ተወካሊ ኣፍሪካ ኣበበ ሃይለገብሪኤል ገሊፆም።

እታ ኣህጉር ጥሜት ንምጥፋእ ዝተተሓዘ ሽቶ ብዙሓት ስዳሮታት ከምዝተርፉዎ ኣፍሪካ ኣብቲ ዓውዲ ዘሳለጦ ስራሕ ኣብ ዝተገምገመሉ እዋን ተገሊፁ።

ጥሜት ካብ ኣፍሪካ ንምጥፋእ ዝተሳለጡ ስራሕቲ ዝዕግቡ ኣይኮኑን ዝበሉ ኣይተ ኣበበ፥ ምስ ለውጢ ካባቢ ኣየር፣ ትሑት ኩነታት ኢኮኖሚ፣ ፅዕንቶ ኮቪድ19ን ኢንቨስትመንትን ተተሓሒዙ ሕዚ እውን ማሕለኻታት ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ይኹን እምበር ኣህጉራዊ ናፃ ንግዲ ቀጠና ስርዓት ምግቢ እታ ኣህጉር ንምምሕያሽ ፍልይ ዝበለ ኣጋጣሚ ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ኣብ ኣፍሪካ ጥሜት ንምጥፋእ ፖለቲካዊ ውፍዩነትን ልዑል ተበግሶን ምህላዉ ቁልፊ ጉዳይ ከምዝኾነ እው ኣብሪሆም።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ብብርኪ ብሄራዊን ከባቢያዊን ስጉምቲታትን ኢንቨስትመንትን ወሰንቲ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ተወካሊ ትካል ምግቢ ዓለም ክሪስ ቶይ ብግደኦም፥ ጥሜት ንምጥፋእን ሕፅረት ምግቢ ንምፍታሕን ሃገራት ኣፍሪካ ኢንቨስትመንት ገፀር ምዕባይ፣ ቀፃሊ ዝኾነ ህንፀት መሰረተ ልምዓትን ልምዓት ሓይሊ ሰብን ክሰርሓ ይግባእ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.