Fana: At a Speed of Life!

ኤክሳይዝ ታክስ ተወሲኹ ኢዩ ብዝብል ምኽንያት ዘይግቡእ ዋጋ ኣብ ዝውስኹ ነጋዶ ስጉምቲ ክውሰድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኤክሳይዝ ታክስ ተወሲኹና ኢዩ ብዝብል ዝተሰሓሓተ ሓበሬታ ዘይግቡእ ዋጋ ዝውስኹ ነጋዶ ስጉምቲ ከምዝውሰደሎም ሚኒስትር ዲኤታ ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣይተ እሸቴ ኣስፋው ገሊፆም።

ኣብ ሓደ ሓደ ሸቐጣት ተወሳኺ ኤክሳይዝ ታክስ ተገይሩ ኢዩ ብዝብል ዝተሰሓሓተ ሓበሬታ ንሕብረተሰብ ብምድንጋር ወሰኽ ዋጋ ምግባር ዝጀመሩ ነጋዶ ምህላዎም፥ ትማሊ ኣብ መማሓየሺ ረቂቕ ኣዋጅ ኤክሳይዝ ታክስ ብምድሃብ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ዝተረኸቡሉ ዝተገበረ ዘተ ተገሊፁ።

ሚኒስትር እቶት ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ከምዝገለፀኦ፥ ኣብቲ ነባር ኣዋጅ ኤክሳይዝ ታክሶም ክብ ኢሉ ዝነበረ ንሕብረተሰብ ልዑል ረብሓ ዘለዎም ምህርቲታት በቲ ሓዱሽ ኣዋጅ ኤክሳይዝ ታክሶም ንኽቕንሱ ተገይሩ እናሃለወ፤ ብሕፅረት ግንዛበ ኣብ ብዙሓት ፍርያታት ኤክሳይዝ ታክስ ከምዝተወሰኸ ተገይሩ ንሕብረተሰብ ክግለፅ ምፅንሑ ኣብሪሀን።

እዚ ድማ ንኹሉ ዝጎድእ ከምዝኾነን ከምዙይ ዓይነት ተግባር ዝፍፅሙ ኣካላት ሓላፍነት ክስመዖም ከምዝግባእን ኣተሓሳሲበን።

ሚኒስትር ዲኤታ ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣይተ እሸቴ ኣስፋው ብግደኦም፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣቕሑት ወሰኽ ዋጋ ዝገብሩ ነጋዶ ከምዘለዉ ብምሕባር፤ እቶም ነጋዶ ንተጠቀምቲ ዝህቡዎ ምኽንያት ድማ ኤክሳይዝ ታክስ ስለዝወሰኸ ኢዩ ዝብል ዝተሰሓሓተ ሓበሬታ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ተግባር ዘይሕጋዊ ብምዃኑ፥ እቲ ሚኒስቴር ዝተውሃቦ ስልጣን መሰረት ብምግባር ተኸታቲሉ ስጉምቲ ከምዝወስድ ምግላፆም ካብ ሚኒሰቴር እቶት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.