Fana: At a Speed of Life!

እቲ ኤምባሲ ኣዩክሬን ንዝርከቡን ካብ ዩክሬን ናብ ፖላንድን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት እናኸዱ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ሓገዝ ክረኽቡ ዝኽእሉሉ ሊክን ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጀርመን ኣብ ዩክሬን ንዝርከቡን ካብ ዩክሬን ናብ ፖላንድን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት እናኸዱ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ሓገዝ ክረኽቡ ዝኽእሉሉ ሊክን ዕላዊ ገይሩ።

እቲ ኤምባሲ ኣብ ሞንጎ ሩሲያን ዩክሬንን ብምኽንያት ዝተፈጠረ ኲናት ዜጋታት ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ንምእታው ኣብ ዝገብሩዎም ፃዕሪታት ምስ ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እተን ሃገራት ብምትሕብባር ብዝተኸኣለ መጠን ብዘይ ዝኾነ ይኹ ፀገም ንኽሳገሩ እናሰርሐ ምፅንሑ ገሊፁ፡፡

ሕዚ እውን ምስ ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩክሬን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ብምዝርራብ ምስ እዚ ዝተተሓሓዘ ሓፂር ሊንክ https://cutt.ly/qAi9vBJ ብምእታው ዜጋታት ሓበሬተኦም ኣበይ ከምዝርከቡን ናበይ ዶብ ንምቁራፅ እናኸዱ ከምዝኾኑን ብምሕባር ኮንሱላር ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩክሬን ሓገዝ ክገብረሎም ከምዝኽእል ስለዝሓበረ ነቲ ሊንክ ብምጥቃም ሓገዝ ምርካብ ከምዝከኣል ኣፍሊጡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.