Fana: At a Speed of Life!

እቲ ጁንታ ኣብ ዱር ኮይኑ ንህዝቢ ትግራይ ንምድንጋር ዝገብሮ ፃዕሪ ኣይሳኻዕን – ሰራዊት ምክልኻል

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)እቲ ጁንታ ኣብ ዱር ኮይኑ ንህዝቢ ትግራይ ንምድንጋር ዝገብሮ ፃዕሪ ከምዘይሳኻዕ ሰራዊት ምክልኻል ገሊፁ።

ሽም ሰራዊት ምክልኻል ብምጥፋእ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ግርታ ንምእታው ዝንቀሳቐሱ መራኸብቲ ሓፋሽ ብሕጊ ከምዘሓትት እውን ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር ኢንዶክትሪኔሽን ሰራዊት ምክልኻል ሜጀር ጄኔራል መሐመድ ተሰማ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።

ሜጀር ጄኔራል መሐመድ ኣብ መግለፂኦም፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ህወሓት ዝበሃል ውድብ ኣብ መሬት ከምዘየለ ኣብሪሆም።

“እቲ ጁንታ መቓብር ፈንቂሉ ክወፅእ ኣይወፅእን፤ ባዕሉ ብዝፀሓሮ ሓዊ ተቓፂሉ ተፊኡ ኢዩ” ኢሎም።

ይኹን እምበር ተበታቲኖምን ኣብ ውሽጢ ዱርን ተሓቢኦም ዝርከቡን ተረፍመረፍ እቲ ጁንታን ልዑል ክፍሊት ዝቕበሉ ኣክቲቪስታቶምን ሕዚ እውን ናይ ሓሶት ወረ እናነዝሑ ይርከቡ ኢሎም።

ወሃቢ ቃል እቲ ጁንታ ዝነበረ ጌታቸው ረዳ ኣብዚ ሰሙን ብስልኪ ኣመሓላሊፉዎ ተባሂሉ ዝወፅአ መልእኽቲ መናእሰይ ትግራይ ንምድንጋር ዝተገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሜጀር ጄኔራል መሐመድ ካብዚ ብተወሳኺ፥ ሰራዊት ምስ ባንኪ ሕብረት ስራሕ ኦሮሚያ ይሰርሕ ኣሎ ብዝብል ሓደሓደ መራኸብቲ ሓፋሽ ዘፈነዉዎ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ሓበሬታ ከምዥኾነ ኣገንዚቦም።

ሰራዊት ምክልኻልን ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ትካላት ልምዓትን ዝጥቀሙሉ ባንኪ ኣካውንት ብንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ከምዚ ዓይነት ዝተዛበዐ ሓበሬታ ዘጋውሑ ኣካላት ክባ ተግባሮም ክቑጠቡ ይግባእ ዝበሉ እቶም ዋና ዳይሬክተር፥ ነቲ ሰራዊት ዘይገልፅ ሓበሬታ ስለዝኾነ ነዞም ኣካላት ብሕጊ ክንሓቶም ኢና ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ድማ ዝተረፉ ኣባላት ጁንታ ካብ ዝተሓብኡሉ ንምውፃእ ዝግበር ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ሜጀር ጄኔራል መሐመድ ተሰማ ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.