Fana: At a Speed of Life!

እትንከባበር፣ ሰላምና እንትንሕሉ፣ ግድብና ነሃንፅ ገፅና ናብ ልምዓት ነዝውር – ተቀዳሚ ሙፍቲ ሃጂ ዑመር

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ጉንቦት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)”እትንከባበርን ሰላምና እንትንሕሉን ኢና ግድብና ነሃንፅ ገፅና ናብ ልምዓት ክነዝውር ንኽእል” ክብሉ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ዚትዮጵያ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሃጂ ዑመር ዒድሪስ ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት መበል 1 ሺሕን 442 ዓመተ ሂጅራ በዓል ዒድ ኣልፈጥር ኣብ ዝተኸበረሉ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ተረኺቦም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

በዓል ዒድ ኣል ፈጥር፥ 13 ኣገደስቲ ሃይማኖታዊ ተግባራት ዝሳለጡሉ በዓል ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ካብ ሞንጎ እቶም 13 አገደስቲ ጉዳያት ሓደ ሓጎስ ኢዩ ከምዝኾነ ዝገለፁ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሓጂ ዑመር፥ “ኣብዚ መዓልቲ ሓጎስ ሰብ ቤተሰቡን ጎረቤቱን ከምኡ እውን ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ሰባት ከሕጉስ ይግባእ” ኢሎም።

“ንሕና እንትንከባበርን እንትንፋቶን ሓድነትና ካብ ምሕላውና ሓሊፉ ንፀላእትና ብምስዓር ልምዓትና ክነቀላጥፍ ኢና” ኢሎም።

ተቀዳሚ ሙፍቲ ሃጂ ዑመር ኣብ መልእኽቶም፥ እትንከባቢርናን ሰላምና እንተሓሊናን ግድብና ነሃንፅ፤ ገፅና ናብ ልምዓት ክነዝውር ንኽእል” ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ብግደአን፥ ኣብ እዋን ፆም ሮመዳን ዝተሰርሑ ሰናይ ተግባራት ተጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ሓቲተን።

“ሕብረትናን ውሽጣዊ ሓድነትናን ብምጥንኻር ካብ ኩሉ ኣንፈት ዝግበረልና ፅዕንቶ ክንከላኸል ይግባእ”  ኢለን፡፡

ብብሄርን ሃይማኖትን ክፈላልዩና ዝደልዩ ሓይሊታት፤ ኢትዮጵያ ብንኡሽተይ እንትደፍኡዋ ትወድቕ ኩምራ ከምዘይኮነት ክፈልጡ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚበን።

ኢትዮጵያውያን ንዝኾነ ይኹን ኣካል ንምብዳል ድሌት ዘይብሎም ዝብድሎም ድማ ኣሜን ኢሎም ዘይቕበሉ ህዝቢታት ከምዝኾኑ እተን ምክትል ከንቲባ ገሊፀን፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.