Fana: At a Speed of Life!

ከተማ ኣይከል ናብ ንቡር ምንቅስቓሳ ንምምላስ እናተሰርሐ እዩ ተባሂሉ።

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ከተማ ኣይከል ናብ ንቡር ምንቅስቓሳ ንምምላስ ይስራሕ ምህላዉ ከንቲባ እታ ከተማ ነገሰ ብርቄ ገሊፆም።

ኣብታ ከተማን ዙሪያኣ ወረዳን ካብ 5 ከሚያዝያ 2013 ጀሚሩ ብምኽንያት ዝተፈጥረ ፀገም ፀጥታ፤ ንፁሃን ዜጋታት ንክሞቱን ንክመዛበሉን ከምኡ እውን ንብረቶም ንኽቓፀልን ገይሩ እዩ።

ነበርቲ እታ ከተማ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፅዎ፤ ፅንፈኛ ጉጅለ ቅማንት ኣብቲ ከባቢ ብዝፈጠሮ ፀገም ፀጥታ፤ ዓቕሚ ኢኮኖሚኦም እናተዳኸመን ብዝተረጋግአ ኩነታት ህይወቶም ንምምራሕ ተፀጊሞም እዮም።

እቲ ጉጅለ ንፁሃን ዜጋታት ብምዕጋት ኣብ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ልዑል ቅልውላው ምፍጣሩ ዝተዛረቡት ነበርቲ ከተማ ኣይከል÷ ነዚ ፀገም መንግስቲ ንክፈትሐሎም ሓቲቶም።

ከንቲባ ከተማ ኣይከል ኣይተ ነገሰ ብርቄ ከምዝበልዎ÷ ብዘይምርግጋእ ዝፀንሐት ከተማ ኣይከል ናብ ንቡር ምንቅስቓሳ ንምምላስ መንግስቲ ብዕቱብ ይሰርሕ ኣሎ።

ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ተቛሪፁ ዝነበረ መንግስታዊ ኣገልግሎት ተጀሚሩ እዩ ዝበሉ እቶም ከንቲባ÷ ባንክታት እውን ኣብዚ እዋን ናብ ስራሕ ተመሊሰን እየን ኢሎም።

ኣብታ ከተማ ዝተፈጥረ ፀገም ብዘተኣማምን ኩነታት ንምፍታሕ ምስ ኣካላት ፀጥታ እናተሰርሐ ምዃኑ እቶም ከንቲባ ኣመላኺቶም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.