Fana: At a Speed of Life!

ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ህንፀት ማእኸላት ስብእና መናእሰይ ንዘበርከተኦ ኣስተዋፅኦ ኣፍልጦ ተዋሂቡወን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ህንፀት ማእኸላት መስፋሕፍሒ ማርሻል ኣርት፣ መዘውተሪ ስፖርትን ህንፀት ስብእና መናእሰይን ንዘበርከተኦ ዕዙዝ ኣስተዋፅኦ ብዓለም ለኸ ፌዴሬሽናት ኣፍልጦ ተዋሂቡወን።

ነተን ከንቲባ ኣፍልጡ ዝሃቡወን ድማ፤ ሌጀንድ ማርሻል ኣርት ኣካዳሚ ኤንድ ፌዴሬሽን፣ ኮምፖዚት ማርሻል ኣርት ፌዴሬሽን፣ ኢንተርናሽናል ፕሮ ቴክዋንዶ ፌዴሬሽንን ሁንጊ ቴክዋንዶ ፌዴሬሽንን ኢዮም፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣብታ ከተማ ስፖርት ንምስፍሕፋሕ ዘኽእሉ መዘውተሪታትን ማእኸላት ህንፀት ስብእና መናእሰይን ክህነፁ ብምግባረን እቲ ሽልማት ከምዝተውሃበን እቶም ፌዴሬሽናት ኣመልኪቶም፡፡

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዓውዲ ስፖርት መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ዘኽእሉ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ሓቢረን፡፡

ካብ ስፖርታዊ ውድድርን ልምዓትን ብተወሳኺ ብዝሰርሐኦ ስራሕቲ ወለንታ ከምዝድግፉ እውን እቶም ፌዴሬሽናት ኣረጋጊፆም፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ ዓውዲ ንዘበርከተኦ ኣስተዋፅኦ÷ 7ይ ናይ ክብሪ ዳን፣ ወረቐት ምስክር ምስጋናን ሽልማት ሜዳልያን ከምዝተበርከተለን ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.