Fana: At a Speed of Life!

ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ብፈረቓ ንምስላጥ ዝተትሓዘ ትልሚ ኣብ ነባራዊ ኩነታት እቲ ከባቢ ዝውሰን ኢዩ – ሚኒስቴር ትምህርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ብፈረቓ ንምስላጥ ዝተትሓዘ ትልሚ ኣብ ነባራዊ ኩነታት እቲ ከባቢ ዝውሰን ከምዝኾነ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዶክተር ገረመው ሁሉቃ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ተቛሪፁ ዝርከብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምጅማር ብብርኪ ሃገር ብዙሓት ምድላዋት ከምዝተገበሩ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ድማ ተምሃሮ ርሕቐቶም ሓሊዮም ንኽመሃሩ ተወሰኽቲ መመሃሪ ክፍሊታት ምህናፅን ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ክሳብ ሰለስተ ፈረቓ ምግባርን ካብ ሞንጎ እቶም ዝተገበሩ ቀንዲ ምድላዋት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ሕፅረት መምህራን ንምንካይ ድማ ቅድሚ ሕዚ ልምዲ መምህርነት ዘለዎምን ሓደሽቲ ተመረቕቲ ተምሃሮን ሓገራዊ ሓላፍነቶም ንኽዋኡ ፃውዒት ቀሪቡሎም ኢዩ ኢሎም።

ፃውዒት ዝተገበረሎም መምህራን ኣብ ግልጋሎት ወለንታ ዝሳተፉ እምበር ብቐዋሚ ዝቑፀሩ ከምዘይኮኑ እውን እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ኣብሪሆም።

እቶም ኣብ ግልጋሎት ወለንታ ዝሳተፉ ተመረቕቲ ኣፕላይድ ሳይንስ ድማ ሓፂር ስልጠና ክእለት ምምሃር ወሲዶም ኣገልግሎት ክህቡ ከምዝግበር ገሊፆም።

እቶም ተመረቕቲ ብመምህርነት ክቕፅሉ ዝደልዩ እንተኾይኖም፥ ኣብ ቀፃሊ ቁፃር እንትፍፀም ቅድሚት ዕድል ከምዝወሃቦም እውን ኣገንዚቦም።

ነባር መምህራን ድማ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዘምህሩዎም ክፍለ ግዘታት ብተወሳኺ ሓሙሽተ ክፍለ ግዘ ብወለንታ ንኸውስኹ ክግበር ኢዩ ተባሂሉ።

ስለዝኾነ መምህራን ንኣዋርሕ ተቛሪፁ ዝነበረ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣብ ምቕፃል ሓገራዊ ሓላፍነቶም ክዋጽኡ ኢዮም ዝብል እምነት ከምዘለዎም ዶክተር ገረመው ገሊፆም።

ሕፅረት መምሃሪ ክፍሊ ከየጋጥም፥ ኣብ ጣቢያታት መሰልጠኒ ሓረስቶት፣ ኣቢያተ ፅሕፈት ጣቢያታትን ትካላት ሃማኖትን ኣገልግሎት ክወሃብ ኢዩ ኢሎም።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.