Fana: At a Speed of Life!

ከይዲ ጉምሩኽ እንተይሓለዉ ናብ ውሽጢ ሃገር ኣቲዮም ካብ ዝተሸጡ ኣቑሑት ልዕሊ ብር 82 ሚሊየን ኣታዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ወደብ ጉምሩኽ ሞጆ ከይዲ ስነ-ስርዓት እንተይሓለዉ ናብ ውሽጢ ሃገር ኣቲዮም ካብ ዝተሸጡ ኣቑሑት ብር 82 ነጥቢ 2 ሚሊየን ታክሲን ቀረፆምን ኣታዊ ተገይሩ።

ብጨረታ ካብ ሞንጎ ዝተኣገዱ ኣቑሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ ጥረ ኣቑሑት ፋብሪካን እታወታት ህንፀትን ዝርከቡዎም እንትኾኑ፥ እቶም ኣቑሑት ብዝተፈላለዩ እዋናት ናብ ሃገር ኣቲዮም ኣብ መዓልቶም ዘይተለዓሉ ኢዮም ተባሂሉ።

ኣብ ጨንፈር ጉምሩኽ ሞጆ ምክትል መካየዲ ስራሕ ኦፕሬሽን ጉምሩኽ ኣይተ ግርማ በንቲ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ንሰብ ዋናታት ኣቑሑት ተደጋጋሚ መጠንቐቕታ ተዋሂቡ ኣቕሐኦም ብዘይምልዓሎም ተሸይጦም ታክሲን ቀረፆምን ንመንግስቲ ኣታዊ ተገይሩ ኢዩ ኢሎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እውን ብኸምዚ መልክዑ መዓልቶም ሓሊፉ ከይዲ ስርዓት ጉምሩኽ ዘይሓለዉ 752 ኣቑሑት ኮንቴነር ካብ ወደብ ዝለዓሉሉ እዋን ብምሕላፉ ብጨረታ ተወጊዶም ታክሲን ቀረፆምን ንመንግስቲ ኣታዊ ኣብ ምግባር ከምዝርከቡ እውን ወሲኾም ሓቢሮም፡፡

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.