Fana: At a Speed of Life!

ኩለ መዳያዊ ሰላምን ብልጽግናን ዝመፅእ ኩሎም ዓይነታት ፈተና ከከምመልከዖም ብምስዓር ኢዩ- ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምተ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩለ መዳያዊ ሰላምን ብልጽግናን ዝመፅእ ኩሎም ዓይነታት ፈተና ከከምመልከዖም ብምስዓር ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ አሕመድ መበል 1 ሺሕን 496 በዓል መውሊድ በዓል ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊፆም።

ሃገርና ዘጋጠማ ፈተናታት ብቕልጡፍ ፈተሕና ናብ እንደልዮ ምዕራፍ ምዕባለ ንምብፃሕ መፍትሑ ብመስዋእትነት ዝተሓሰየ እወንታዊ ኣገልግሎት ሎሚ ንምሃብ ምኽኣል ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ገናተና ናፃ ንምውፃእ ዘኸፈለ መስዋእትነት ፣ ሃገርና ብጥምየት ንከይትጥቃዕ ኣብ ግራውቲ ዝግበር መስዋእቲነት፣ እወንታዊ ኣገልግሎት ንህዝቢ ንምሃብ በቢቢርኡ ዝግበር መስዋእትነት፣ ሃገርና ኣዚያ ትደሊ ኢሎም።

ክብሪታት መውሊድ ንሃገርና ሎሚ ኣዚዮም ከምዘድሊዩዋ ኣዘኻኺሮም።

እንሓስቦ፣ እነውርዮን እንሰርሖን ብተስፋና እንተኾይኑ ተስፋና ዕላዊ ኮይኑ እንሪአሉ ግዝ ቀረባ ኢዩ ኢሎም።

ናይ ሃገርና ናይ ውሽጢ ፀላእቲ ብህፁፅ ስዒርና ሓያልነት ኢትዮጵያ ምንጋስ አለና ብምባል፥ ብዲፕሎማሲ ዘጋጠመና ፈተና ሓቅን ጥበብን ሒዝና ክንስዕር ኣለና ክብሉ ተዛሪቦም።

ናህሪ ናብራ ህዝብና ብዝለዓለ ናይ ኣመራርሓ ክእለት ደረጃ ብደረጃ ምቕራፍ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ሓዱሽ መንግስቲ ብድምፁ ዘምፅአ ህዝብን ሓዱሽ ምምሕዳር ዘጣየሸ መንግስቲ ታሪኽን ማሕበረሰብን ዝልውጡ ኣገልግሎታት፣ ኣነባብራ ህዝቢን ኣተሓሳስባን ዝልውጡ ኣገልግሎታት ኣዚዮም የድሊዩዎ ኢዮም ኢሎም።

ኢትዮጵያ ብፈተና ጥራሕ ዝተኸበበት፣ብተስፋ ጥራሕ ዝተዓጀበት ኣይኮነትን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ንተስፍኣ እንተሰሪሕና ተስፍኣ ክልምልም ኢዩ፤ ህዝቢ እውን ምስ ቨገም ዘይኮነስ ምስ መፍትሒ ደው ክብል ኣለዎ ኢሎም።

ናይ ሎሚ ናይ መውሊድ በዓል እንትነኽብር ”ብመስወእትነት ዝተዓጀበ፣ ህዝቢ ክልውጥ ዝኽእል እወንታዊ ኣገልግሎት ምሃብ” ዝብል ናይ መውሊድ ቀንዲ ክብሪ ብምሕሳብ ንክኸውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣዘኻኺሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.