Fana: At a Speed of Life!

ኩባንያ ሩሲያ ታንኪታት ኔቶ ንዘዕነወ ወታደር 70 ሺሕ ዶላር ሽልማት ክህብ ኢየ ኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፍራዪ ኬሚካል ዝኾነ ፎረስ ዝተብሃለ ኩባንያ ሩሲያ ታንኪታት ኔቶ ንዘዕነወ ወታደር 70 ሺሕ ዶላር ሽልማት ከምዘቕረበ ገሊፁ።

እቲ ኩባንያ÷ ኣብ ዩክሬን ታንኪታት ኤም 1 ኣብራምስን ሊዮፓርድ- 2 ንዘዕንዉ ወታደራት ሽላመት ከምዝህብ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዋሸንግተንን በርሊንን ታንኪታት ንኬቭ ንመሃብ ድሕሪ ምውሳነን ዝተመሓለለፈ ውሳነ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

“ሊዮፓርድ- 2 ዝተብሃለ ጀርመን ታንኪ ወይ እውን ኤም 1 ኣብራምስ ዝተብሃለ ታንኪ ኣሜሪካ ነዘዕኑ ወይ ድማ ንዝማርኽ ወታደር ሽልማት ገንዘብ የውህብ ኢዩ” ክብል እቲ ኩባንያ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፁ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ኩባኒያ÷ ፈላማይ ሓንቲ ታንኪ ንዘዕነወ 5 ሚሊየን ሩብል ወይ ድማ 70 ሺሕን 700 ዶላር ሽልማት ከምዝህብ ገሊፁ።

ንሕድሕድ ቀፀልቲ ዓወታት ድማ 500 ሺሕ ሩብል ወይ እውን 7 ሺሕን 70 ዶላር ከምዝህብ ምግላፁ ኣርቲ ፀብፂቡ።

ዩክሬን ኤፍ-15ን ኤፍ-16ን ተዋጋእቲ ጄታተ ትረክብ እንተኾይና ፈነይቲ ኣውሮፕላን ንዘውደቐ ወታደር 15 ሚሊየን ሩብል ወይ ድማ 212 ሺሕን 100 ዶላር ሽልማት ክህብ ኢየ ምባሉ እውን ተሓቢሩ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.