Fana: At a Speed of Life!

ኩባንያ ዌንዡ ኒክሲን ትሬዲንግ ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ወረቐት ናይ ምፍራይ ድሌት ከምዘለዎ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)300 ሚሊየን ዶላር ካፒታል ዘለዎ ኩባንያ ቻይና ዌንዡ ኒክሲን ትሬዲንግ ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ወረቐት ናይ ምፍራይ ድሌት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

ዋና ፈፃ ስራሕ ኮርፖሬሽን ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣክሊሉ ታደሰ ምስ ኣመራርሓ እቲ ኩባንያ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ÷ ኣመራርሓ እቲ ኩባንያ ብዛዕባ ኢንቨስትመንት ዘለዎም ትልሚ ዝርዝር ሓበሬታ ኣቕሪቦም፡፡

ኣይተ ኣክሊሉ ብግደኦም÷ ኣብቲ ኮርፖሬሽን ዝርከቡ ማእኸላት ኢንቨስትመንት፣ መበረታትዒታት፣ መሰረተ-ልምዓትን ኣወሃህባ ግልጋሎትን ዝምልከቱ ሓሬታታት ብመሃብ፤ እቲ ኮርፖሬሽን ነቲ ኩባንያ ዘይተቋረፀ ሓገዝ ከምዝገብር ኣረጋጊፆም።

ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ኩባያ ካብ ዘተ ብተወሳኺ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ቦሌ ለሚ ተዓዚቦም፡፡

ኣብ ዑደቶም ድማ ኣብቲ ፓርክ ንሰብሃፍቲ ዝቐርቡ ከም መብራህቲ፣ ማይን ቴሌኮምን ዝበሉ ግልጋሎታት ክፍሊቶም ምስ ካልኦት ሃገራ እንትነፃፀር ዝሐሸ ከምዝኾነ ከምዝተገንዘቡ ገሊፆም፡፡

እዚ ድማ ኣብቲ ፓርክ ኢንቨስት ንምግባር ክንውስን ልዑል ግደ ኣበርኪቱ ኢዩ” ምባሎም ሓሬታ እቲ ኮርፖሬሽን የመላኽት፡፡

ዌንዡ ኒክሲን ትሬዲንግ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2011 ዝተጣየሸን ተቐማጥነቱ ኣብ ቻይና ዝገበረ ኩባንያ እንትኸውን÷ ኣብ ስዑድ ዓረብ፣ ጋና፣ ናይጄሪያ፣ ኢራንን ኣዘርባጃንን ኣብ ፍርያት ፋይበር፣ ሴራሚክ፣ ኣልሙኒየም ከምኡ እውን ካልኦት ዓይነታት ፍርያት ዝተዋፈረ ትካል ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.