Fana: At a Speed of Life!

ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ሃገሮም ኣንቢሮምዎ ዝነበሩ ማዕቐብ መርሃ ግብሪ ኒውክሌር ምልዓሎም ኣፍሊጦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መራሒ ሰሜን ኮሪያ ኪም ጆንግ ኡን ኣብ ሃገሮም ኣምቢረሙዎ ዝነበሩ ማዕቐብ መርሃግብሪ ኒውኩለር ምልዓሎም ኣፍሊጦም።

እቶም መራሒ ንዝተወሰነ ግዘ ከልኪሎምዎ ዝነበሩ ምምዕባል ኒውክሌርን ፈተነ ማእኸላይ ርሕቐት ተወንጫፊ ሚሳኤልን ከምዝጅምሩ ኢዮም ዝገለፁ።

ኣሜሪካ ኣብ ዙርያ ኒውክሌር ዝግበር ዘተ ብዝምልከት ሓዱሽ ሓሳብ ሒዛ ዘይምቕራባን ምስ ደቡብ ኮርያ ተካይዶ ዘላ ናይ ሓባር ወታደራዊ ልምምድ ብዘይምቁራፃን፥ ኪም ጆንግ ኡን ነቲ ማዕቐብ ከልዕሉዎ ምኽንያት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ነዚ ስዒቡ ድማ፥ ሰሜን ኮርያ እቲ ተማዕብሎ ሓዱሽ ኒውክሌር ንዓለም ክተርኢ ኢያ ተባሂሉ።

ሓዱሽ ትልሚ ፒዮንግያንግ ተፈፃሚ ንምግባር፥ ብተግባርን ምንቅስቓስን ኣሜሪካ ዝውሰን ምዃኑ እውን እቶም ፕሬዚዳንት ተዛሪቦም።

ሰሜን ኮርያ ካብ ማእኸላይ ክሳብ ዝተኸልከለ ሃገራት ብምሕላፍ ነዊሕ ርሕቐት ዝጓዓዝ ተወንጫፊ ሚሳኤል ክትፍትን ከምትኽእል ተንተንቲ እናገለፁ ይርከቡ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲን አልጀዚራን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.