Fana: At a Speed of Life!

ካልኣይ ዙር ህፁፅ ሓገዝ ኣብ መቐለ ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ፌዴራል ምስ ትካል ተራድኦ ብምዃን ዘቕረብዎ ስርናይ፣ ዘይቲን ዓተረን ብማሕበራዊ ረዲኤት ትግራይ(ማረት) ኣቢሉ ንተሓገዝቲ ይወሃብ ኣሎ።

እቲ ሓገዝ ኣብ ከተማ መቐለ ንዝርከቡ 379 ሺሕን 946 ተመዛበልቲ ደገፍ ዘድሊዮምን ወገናት ተበፃሕቲ ዝገብር ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኣብ ሸውዓቲአን ክፍላተ ኸተማ መቐለ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2020 በጀት ተሓሳቢ ዝገበረ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ደገፍ ዝተገበረ እንትኸውን፥ ሐዚ ድማ ካልኣይ ዙር ህፁፅ ሓገዝ ይወሃብ ኣሎ።

ፉና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ደገፍ ካብ መንጎ ዝግበረለን ዘሎ ክፍለከተማታት ኣብ ሓድነት ዝቲ ዝግበር ዘሎ ሓገዝ ዝተዓዘበ እንትኸውን፥ ነቶም ተሓገዝቲ ስርናይ፣ ዘይቲን ዓተረን ይወሃብ ከምዘሎ ኣረጋጊፁ።

እቲ ሓገዝ፥ ንሓደ ሰብ 15 ኪሎ ስርናይ፣ 0.45 ሊትሮ ዘይቲን ሓደ ኪሎን ፈረቓን ዓተርን እናተውሃበ ይርከብ።

ኣብ ትካል ተራድኦ ትግራይ መተሓባበሪ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ሓድነት ኣይተ ባራኺ ተኽለ፥ እታ ከተማ ብዝነበረቶ ንቡር ሰላም ሰላም ክትምራሕ ምኽኣላ ብዝግባእ ሓገዝ ንዘድሊዮም ዜጋታት ንምብፃሕ ኣስተዋፆ ኣለዎ ኢሎም።

እቲ ሓገዝ ብተሸከርከርቲ ካብ ምክፍፋል ኣብ በቢማእኸላቱ ዝርከባ መኻዚኖታት ተራጊፉ ብቐጥታ ንተሓገዝቲ ክበፅሖም ምግባር ከምዝተኽኣለን በቢወርሑ ዝቕፅል ከምዝኾነን ተዛሪቦም።

ሓገዝ እናወሰዱ ረኺብና ዘዘራረብናዮም ሰባት ብግደኦም፥ “ዋላ ዝደንጎየ ሓገዝ እንትኾነ ሕዚ እናረኸበና ምዃንና ኣሕጒሱና ኢዩ” ኢሎም።

እናተውሃበ ዝርከብ ሓገዘ እንተይተቖራረፀ ክቕፅል ከምዝግባእ እውን ሓቲቶም።

ብሃይለየሱስ ስዩም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.