Fana: At a Speed of Life!

ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ወፍሪ ምትእኽኻብ እቶትን ምሃብ ግንዛበን ኣብ ከተማ ለንደን ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቱ ወፍሪ ምትእኽኻብ እቶትን ምሃብ ግንዛበን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ለንደን ክጅመር ኢዩ።

እቲ ወፍሪ ሲቪክ ትካላትን ለንደን ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያን ብምትሕብባር ዝተዳለወ እንትኸውን፥ ንክልተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ ኢዩ።

ቀንዲ ዕላማ እቲ ወፍሪ ድማ ግድብ ህዳሰ ብዓወት ንኽዛዘም ሓገዝ ገንዘብ ምትእኽኻብ፣ ኣብቲ ግድብ ዝሰርሑ ዜጋታት ሓገዝ ሞራልን ስነ-ልቦናን ምግባር፣ ኣፍልጦ ምሃብ ከምዝርከቡዎ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ግድብ ህዳሰ ንኢትዮጵያውያንን ህዝቢ እቲ ከባቢን ብዛዕባ ዘለዎ ረብሓ ንማሕበረሰብ ዓለም፣ ኣባላት ዳያስፖራ ኢትዮጵያን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ንምፍላጥ ዝዓለመ ከምዝኾነ እውን ተፈሊጡ፡፡

እቲ ወፍሪ ድጋፍ ግድብ ህዳሰ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብተመሳሳሊ ተኻይዱ ምንባሩ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.