Fana: At a Speed of Life!

ካልኣይ ዙር ክታበት ኮቪድ 19 ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኣብ ትካላት ጥዕና ክወሃብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙር ክታበት ኮቪድ 19 ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኣብ ትካላት ጥዕና ክወሃብ ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ ኣብ ቀዳማይ ዙር ልዕሊ 2 ሚሊየን ዜጋታት ክታበት ከምዝወሰዱ ገሊፀን።

ልዕሊ 42 ሺሕ ዜጋታት ድማ ካልኣይ ዙር ክታበት ኮቪድ 19 ከምዝወሰዱ ተዛሪበን።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣስታት 400 ሺሕ ክታበት ኣስትራዜኒካ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ ብምግላፅ፥ ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ድማ ኣብ ኩሎም ክልላት ቀዳማይ ዜር ካብ ዝወሰዱ ሰለስተ ኣዋርሕ ዝገበሩ ዜጋታት እቲ ክትባት ከምዝወሃቦም ሓቢረን።

ብምስክር ስናፍቅ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.