Fana: At a Speed of Life!

ካብ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ዝተውሃበ መግለፂ

ኣብ ቀረባ እዋን ግምባር ናፅነት ጋምቤላ (ጋነግ)፣ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢታት ጉሙዝ(ጉህዴን)ን ራዕዳዊ ጉጅለ ኦነግ ሸኔን ተዋዲዶምን ተነዓራሪዮምን ኣብ ክልል ጋምቤላ ከተማ ጋምቤላን ከባቢኣን ከምኡ እውን ኣብ ጊምቢን ደምቢ ዶሎን መጥቃዕቲ ንምፍፃም ፈተነ ገይሮም ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ፌዴሪኢ ምስ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ብምውዳድ ብዝወሰዱዎ ስጉምቲ እቶም ግብረ ራዕዳውያን ብልዑል ብርኪ እናተሰምሰሱን ኣብ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ዝነበረ ፀገም ተወጊዱ እቲ ከባቢ ናብ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ንኽምለስ ተገይሩ ኢዩ፡፡ ይኹን እመበር እቶም ግብረ ራዕዳውያን ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ከተማ ጊምቢ ከባቢ ትርከብ ቀበሌ ቶሌ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ዝኾኑን ምንም ብዘይፈልጡ ንፁሃን ህፃናትን ሲቪላት ጉድኣት ከምዘብፅሑን ብዙሓት ከምዝቐተሉን ይፍለጥ።

ወያነ ሃገር ናይ ምፍራስ እኩይ ዕላምኡ ብኲናት ምዕዋት ስለዘይከኣለ በቢከባቢኡ ብዝወደቦምን ብዘዕጠቖምን ተለኣኣኽቲ ጉጅለታት ኣቢሉ ጅምላዊ ቅትለት ብልእኽቶ እናፈፀመን ክፍፀም እናገበረን ይርከብ፡፡ ናይዚ ተግባር ቀንዲ ዕላማ ድማ ህዝበ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ተስፋ ቆሪፁ ንኽለዓልን ሰላም ንኽፈርስን ንምግባር ኢዩ።

ግብረ ራዕዳዊ ሓይሊታት ኣብ ኩሎም ከባቢታት ናይ ምቁፅፃርን ሕጊ ናይ ምኽባርን ስራሕቲ እናሰተርሐ ኣብ ዝርከበሉ እዋን ሓደ ምዃንን ንግብረ ራዕዳውያን ብሓባር ምቅላስን እንትግባእ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ናብ ምድንጋራትን ከፋፈልቲ ከይዲታትን ምእታው ኣይግባእን።

ብፍላይ ብጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ፋይናንስ ዝግበሩ ሚዲያታት ብምጥቃምን እኩይ ዕላምኡ ንምፍፃምን ሰላማዊ ከይዲ ምምሃርን ምስትምሃርን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ንምትዕንቓፍ ተምሃሮ ብብሄርን ሃይማኖትን ብምክፍፋል ጎንፂ ንኽፍጠር ንምልዕዓል ራዕዳውያን ለይቲን ቀትሪን እናሰርሑ ከምዝኾኑ እቲ ሓበራዊ ግበረ ሓይሊ።

እዚ ከምዚ ኮይኑ እናሃለወ ሽርሒን ኣካይዳን ፀላኢ እንተዘይፈሊጥናን ንሳቶም ናብ ዝኸፈቱልና ቱቦን መፃወዲያን ንኣቱ እንተኾይንና ንናይ ወፃኢ ፀላእትና እኩይ ሽርሒ በርና ከምዝኸፈትና ይቑፀር።

እዞም ብዶካር ዝተገዝኡ ሚዲያታት ቅድሚ ሕዚ ኣብ ጎንደር ፀገም ቅድሚ ምፍፃሚ ኣቐዲሞም ህዝቢ ብሃይማኖት ንምክፍፋል መደብ ሓንፂፆም ሰላም ንምህዋኽን ጎንጺ ንምብእኣስን እናሰርሑ ፀኒሖም ኢዮም፡፡ ዝተፈጠረ ጎንፂ ኣብ ኩሎም ከባቢታት እታ ሃገር ንኅባፃሕን ተኸተልቲ እቲ እምነት ናብ ዓብዪ ናዕቢ ንምእታውን ዘይፈንቀሉዎ እምኒ ኣይነበረን፡፡ ይኹን እመበር ናይ ጥፍቸኣት ልኡኽቶኦም ብባህሊ ምክእኣል፣ ምስትውዓል፣ ትዕግስቲን ህዝብናን ሓይሊታት ፀፅታ ብዝገበሩዎ ልዑል ርብርብን ከምዝፈሸለ ይፍለጥ።

“ጩግራፍ ንባዕሉ ወቒዑ ባዕሉ የእዊ” ከምዝበሃል እቶም ሚዲያታት ኣብዚ ሰሙን ከምዝለመዱዎ ጎንፂ ንምቕስቃስ ኣብ ዩኒቨርሲታት ዘነፃፀረ ጎንፂ ንምልዕዓል “ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከባ ዩኒቨርሲታት ዝነብሩ ተወለድቲ ብሄር ኦሮሞን ካልኦትን ንምጥቃዕ ዝተወደበ ጉጅለ ድሕንነት ናብ ክልል ኣምሓራ ተላኢኹ” ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ኢዮም።

ሓራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንትን ልዕሊ ባዕሉ ንህዝቢን ሃገርን ህይወቱ እናሰወአ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ዝሕሉ ሓይሊ ከምዝኾነ ዝፍለጥ ኮይኑ እናሃለወ ዝተፈጠረ ኣጋጣሚ ምኅንያት ብምግባር ኣብ ልዕሊ ግብረ ራዕዳውያን ዝተጀመረ ወፍሪ ተጠናኺ ከይቕፅል ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት እናተገበሩ ይርከቡ።

ስለዝኾነ ተምሃሮን ማሕበረሰብን ዩኒቨርሲቲ ዝተፈጠረ ፀገም ምኅንያት ብምግባር ኮነ ኢሎም ጎንፂ ንምልዕዓል እናተንቀሳቐሱ ዝርከቡ ተለኣኣኽቲን ቁፃራትን ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ከምዘለዉ ተገንዚብኩም ካብዞም ግብረ ራዕዳውያን ንባዕልኹም ብምሕላው ኣድላዪ ጥንቃቐ ንኽትገብሩ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ፌዴሪኢ የተሓሳስብ፡፡ ይኹን እምበር ነዚ መተሓሳሰቢ ተመሓላሊፎም ካብ ተግባሮም ዘይቑጠቡ ኣካላት ከምዘይዕገስን ጥቡቕ ሕጋዊ ስጉምቲ ንምውሳድ እውን ከምዝግደድን የፍልጥ።

20 ሰነ 2014 ዓ.ም

አዲስ አበባ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.