Fana: At a Speed of Life!

ካብ ወርሒ ሰነ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ንነዳዲ 9 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ድጎማ ከምዝተገበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ወርሒ ሰነ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ንነዳዲ 9 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ድጎማ ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ንግዲን ቀጠናዊ ምትእስሳርን ኣፍሊጡ።

ብብርኪ ሃገር ስርዓት ክፍሊት ነዳዲ ተሽከርከርቲ ናብ  ኤሌክትሮኒክስ ስርዓት ክፍሊት ምእታው ኣብ ዘኽእል ኩነታት ኣብ ከተማ ቢሸፍቱ መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ንግዲን ቀጠናዊ ምትእስሳርን ገብረመስቀል ጫላ፥ ዕዳጋ ነዳዲ ብፖሊሲ ተደጊፉ ምትግባር ካብ ዝጅመር ጀሚሩ እወንታዊ ውፅኢት ከምዝተረኸበ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ካብ ዝነበሮ ፀገምን ንክወፅእን ከይዱ ግልፅነት ንክህልዎ ምኽኣሉ ሓቢሮም።

ብመንግስቲ ዝግበር ዘሎ ድጎማ ነዳዲ ኣብ ታሕተዋይ ብርኪ ናብራ ንዘሎ ማሕበረሰብ ንከይጉዳእ ኣኽኢሉ ኢዩ ኢሎም።

ስርዓት ድጎማ ብስርዓት ተደጊፉ ተግባራዊ ካብ ዝግበር ካብ ወርሒ ሰነ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ንነዳዲ 9 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ድጎማ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ካብዚ 8 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ድጎማ ሚኒባስን ተመሳሰልቲ ተሽከርከርቲን ተረባሕቲ ከምዝኾና ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.