Fana: At a Speed of Life!

ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ኢንዱስትሪ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምትካእ ብዝበለፀ ምስራሕ ይገባእ – ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብልዑል ሸርፊ ወፃኢ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ኢንዱስትሪ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምትካእ ብዝበለፀ ምስራሕ ከምዝግገባእ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪያት ካሚል ተዛሪበን።

ኣካል ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያ ተፍሪ ዝኾነ ውፅኢታት ፈጠራ ደቀቕቲ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ንምብርትታዕን ምትእስሳር ዕዳጋ ንምፍጣርን ዝተመጠ ዓውደ ምርኢት ኣብ ከተማ ሃዋሳ ተጀሚሩ፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ÷ ኢትዮጵያ ካብ ሕርሻ ናብ ኢንዱስትሪ ዝመርሖ ኢኮኖሚ እናገበረቶ ኣብ ትርከብ ገስጋስ ኣብ ኣናእሽተይ ኢንዱስትሪታት ምስራሓ ብዝበለፀ ዘነቓቕሕ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪያት ካሚል ብግደአን÷ ብልዑል ሸርፊ ወፃኢ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ኢንዱስትሪ ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምትካእ ብዝበለፀ ምስራሕ ከምዝግገባእ ኣገንዚበን።

ኣብቲ ዓውደ-ምርኢት ካብቲ ክልል ዝተውፃእፅኡ 120 ዝኾኑ ኢንተሪፕራይዛት ተሳቲፎም፡፡

ብነገኦ ብዙነህ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.