Fana: At a Speed of Life!

ክልል ሲዳማ ንሰራዊት ምክልኻል 105 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ “ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ምዕራባውያንን ዝኸፈቱልና ኲናት ስዒርና ናፅነትና ክሳብ ነረጋግፅ ብዝተፈላለዩ መገዲታት ንገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺርና ክንቅፅል ኢና” ክብሉ ገሊፆም።

ካብ ከተማ ሃዋሳን ኣብ ክልል ሲዳማ ካብ ዝርከባ ወረዳታትን ብዓይነትን ጥረ ገንዘብን ዝተኣከበ ብሓፈሻ 105 ሚሊየን ብር ንሰራዊት ምክልኻል ሓገዝ ተገይሩ።

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ደስታ ሌዳሞ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሃገር ንምብታንን ሉኣላውነታ ንምድፋርን ምስ ሓይሊታት ወፃኢ ብምውዳድ ዝኸፈቶ ኲናት ንኢትዮጵያ እናፈተና ከምዝርከብ ገሊፆም።

ኣሰላልፋ ፀላኢ ኣብ ግምት ብምእታው ነበርቲ እቲ ክልል ንዝገበሩዎ ሓገዝ ምስጋና ዘቕረቡ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ እዚ ምትሕብባር ኣጠናኺርካ ብምቕፃል ግብኣተ መሬት ፀላኢ ምቅልጣፍ ይግባእ ኢሎም።

ብታምራት ቢሻው

ከባኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.