Fana: At a Speed of Life!

ክልል ዓፋር ኣብ ክልል ሶማሌ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ሓገዝ 10 ሚሊየን በር ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ዓፋር ኣብ ክልል ሶማሌ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝውዕል ሓገዝ 10 ሚሊየን በር ገይሩ።

እቲ ሓገዝ ርእሰ መምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣባ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ብምርካብ ንርእሰ መምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ ኣረኪቦም።

ህዝቢታት ዓፋርን ሶማሌን ኣሕዋት ህዝቢታት ብዝተፈላለዩ እዋናት እናተሓጋገዙ ዝመፅኡ ምዃኖም ኣብቲ እዋን ተገሊፁ፡፡

ክልል ዓፋር ኣብዚ ሕዚ እዋን ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝኸፈቶ ወራር ልዑል ኣብ ዝኾነ ፀገም ዝርከብ ይኹ እምበር ንሓው ህዝቢ ሶማሌ ብምኽንያት ድርቂ ጉድኣት ዝበፅሖ መንግስቲ እቲ ክልል ሓገዝ ገይሩ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድ፥ ክልል ዓፋር ኣብ ክልል ሶማሌ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ንዝገበሮ ሓገዝ ምስጋና ምቕራቦም ካብ ኮሙዩኒኬሽን ክልል ዓፋር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.