Fana: At a Speed of Life!

ክልል ደቡብ ንሰራዊት ምክልኻል ዝኸውን ልዕሊ 219 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ደቡብ ንሰራዊት ምክልኻል ዝኸውን ልዕሊ 219 ነጥቢ 1 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ዓይነት ገይሩ።

ኣካቢ ኮሚቴ ምትእኽኻብ ሓገዝ ክልል ደቡብ ኣይ ስንታየሁ ወልደሚካኤል፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሃገር ዝኸፈቶ ኲናት ንምምካት መስዋእቲ እናኸፈለ ንዝርከብ ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ህዝቢን መንግስቲን እቲ ክልል ን6ይ ዙር 219 ሚሊየን 102 ሺሕን 686 ዘውፅእ ሓገዝ ዓይነት ከምዝገበረ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ሓገዝ፥ 1 ሺሕን 829 ሰንጋታት፣ 4 ሺሕን 520 ኣባጊዕን ኣጣልን ከምኡ እውን 65 ነጥቢ 9 ሚሊየን ብር ግምታዊ ዋጋ ዘለዎ ሕሩጭ፣ ጥሕኒ፣ ሽኮር፣ ዘይቲ ብልዒን መሰል ዓይነታት ምግቢን ዘካተተ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.