Fana: At a Speed of Life!

ኮሌጅ ፖሊስ ኣምሓራ ዘሰልጠኖም ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሌጅ ፖሊስ ኣምሓራ ን9ይ ግዘ ዘሰልጠኖም ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምርቓት ርእሰ መምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ክልልን ፌዴራልን ተረኺቦም፡፡

ዶክተር ይልቃል ከፋለ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፥ ናፅነትን ክብሪን ብዘይመስዋእትነት ኣይርከብን ኢሎም፡፡

ተመረቕቲ ንሓርበኝነትን ዓወትን ንኽርሑ እውን መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ዋና ኣዛዚ እቲ ኮሌጅ ምክትል ኮሚሽነር ኣንማው ኣለሜ ብግደኦም፥ ምስ ሰራዊት ምክልኻልን ሓይሊታታት ፀፅታን ብምትሕብባር ኣብ ዓውደ ኲናት ፀላኢ እናወቕዐ ናብ ዝርከብ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ዝተፀምበሩ ኣባላት ኣድላዪ ስልጠና ወሲዶም ከምዝተመረቑ ምግላፆም ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.