Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ብመሰረታዊነት ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ምርድዳእ ንኅህሉ ክገብር ኢዩ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ብመሰረታዊነት ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ምርድዳእ ንኅህሉ ክገብር ኢዩ” ክብላ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ገሊፀን።

እተን ፕሬዚዳን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘቐመጠኡ ፅሑፍ፥ ሕገ መንግስቲ መሰረት ብምግባር መጣየሺ ኣዋጅ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝፈረማ ኣፍሊጠን።

“ምፍራም ሓላፊነተይ ዋላኳ እንተኾነ ቀንዲ ዕላማ ሓቃዊነት ስለዝፈልጥ፤ ስለዝሰራሕኹሉ ኢሉ እውን ዕግበት እቲ ዕላማ ስለዝረኣይኩ ኣሚነሉ እየ” ክብላ ወሲኸን ገሊፀን፡፡

ከምዚ ዝበለ ምኽክር ኣብ መሰረታዊ ሃገራዊ ጉዳያት ምርድዳእ ንክህልው ዝገብር እዩ ዝበላ እተን ፕሬዚዳንት፥ ኣብ ሓሳብ ሰብ ፅዕንቶ ካብ ምፍጣር፣ ውግእ ምክፋትን፤ ሃገርን ህዝቢን ኣብ ሓደጋ ምእታውን ዝኣመሰሉን ሓደጋታት ከምዝድሕን እውን ኣብሪሀን፡፡

“ናይ ምምይያጥ፤ ምድምማፅን ምክብባርን ሓድሽ ባህሊ ይፈጥር እዩ፤ ከማና ኣብ ውግእ ዝነበርና ንዝርከብ ሃገር ድማ ረብሕኡ ግልፂ እዩ“ ኢለን፡፡

እዙይ ምኽክር ንክምራሕ ንክካየድን ዘጣይሾ ጥቆማ ኣባላት ኮሚሽን ከምዝተገበረ ብምግላፅ፤ ንሓደ ሰሙን ምስተናውሐ 13 ጥሪ 2014 ዓ.ም ከምዝዛዘም እውን ኣብሪሀን፡፡

ቁፅሪ ንኮሚሽነርነት ዝተሓፀያ ደቂ ኣንስትዮ ከይውሕድ ስግኣት ከምዘለወን ዝገለፃ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ÷ “ደቂ ኣስትዮ ተጠቀምቲ ክኾና ኣለወን፤ ዝገበርናዮ ዓውዳዊ ውግእ ዘብፀሖ ጉድኣት መልክዕ ደቂ ኣናስትዮ እዩ ዝመስል“ ኢለን፡፡

“ኣብ መዕቖቢ ጣብያታት መቐለን ደሴን ዘነጋገርኩወን መልክዕ ደቂ ኣንስትዮ ንዙይ እዩ ዘረጋግፅ” እውን ኢለን፡፡

እቲ ውግእ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዘብፀሖ ጉድኣት ገና እንሪኦ እዩ፤ ደቂ ኣስትዮ ኣካል እቲ ጉድኣት ጥራይ ዘይኮናስ ኣካል ፍታሓት እውን ከምዝኾና እውን ኣብ ግንዛበ ክኣትው ኣለዎ” ክብላ ኣገንዚበን፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝተረፈ ሓፂር እዋን ዝወፁ መለክዕታት ዘማልኣ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ሕብረተሰብ ንክሕብር ፃውዒት ኣቕሪበን፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.