Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ንዓውዲ ጥዕና ዝገብሮ ሓገዝ ከምዘጠናኽር ኣረጋጊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዘይብዳህ ስርዓት ጥዕና ጋህዲ ንምግባርን ኩለመዳይ ሽፋን ጥዕና ኣብ ምምሕያሽን ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ፡፡

ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ምስ ልኡኽ ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ብሓባር ኣብ ዝስርሑ ጉዳያት ኣድሂበን ተዛቲየን፡፡

ኣብ ዘተአን ድማ ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ዓውዲ ጥዕና ኣብ ምጥንኻር እናሰርሖ ዝርከብ ስራሕ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ብምሕባር ምስጋና ኣቕሪበን፡፡

ዘይብዳህ ስርዓት ጥዕና ንምህናፅ፣ ፆታዊ መጥቃዕቲ ንምክልኻን ኣድላዪ ምላሽ ጥዕና ንመሃብ፣ ስርዓተ-ፆታ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ንምክታ፣ ግልጋሎት ጥዕና ኣእምሮ ተበፃ ንምግባር፣ ሰብ ሞያ ጥዕና ንምስልጣንን ንምብቃዕን ከምኡ እውን ብጎንፂ ዝዓነዉ ትካላት ጥዕና መሊስካ ንምጥያሽን ኣብ ከይዲ ምህናፅ ዘለዉ ተግባራትን እቲ ሕብረት ኣድላዪ ሓገዝ ንኽገብር እውን ሓቲተን፡፡

ሓላፊ ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ሮበርቶ ሺሊሮ ብግደኦም÷ ትካሎም ንብዙሓት ዓመታት ኣብ ዓውዲ ጥዕና መሓዛ ብምዃን ኩለመዳይ ስራሕቲ እናወገነ ምፅንሑ ብምዝኽኻር፤ ዘይብዳህ ስርዓት ጥዕና ጋህዲ ንምግባርን ሽፋን ጥዕና ኣብ ምምሕያሽን ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝግር እውን ኣረጋጊፆም፡፡

በቲ ሕብረት ዝድገፉ ፕሮጀክታት ብዝተሳለጠ መልክዑ ንምውጋንን ዘለዎም ለውጢ ብቕርበት እናተኸታተሉ ንምግምጋምን ዘኽእል ሜላ ምሕንፃፅ ከምዝግባእ ምሕባሮም እውን ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.