Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ጉምሩኽ ካብ ዓማዊል ዝወሃቡ ርኢታታትን ሚዛናዊ ነቐፌታታን ብምቕባል ንምስትኅኻል ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ድሉው ኢዩ – ኮሚሽነር ደበሌ ቀበታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ እዋን ምሃብ ፍልጋሎት ካብ ዓማዊል ዝወሃቡ ርኢታታትን ሚዛናዊ ነቐፌታታን ብምቕባል ንምስትኽኻል ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ድሉው ከምዝኾነ ኮሚሽነር ኮሚሽንኑምሩኽ ደበሌ ቀበታ ገሊፆም።

እቲ ኮሚሽን ካብ ዝነበሮ ዝተሓላለኸ ፀገም ንምውፃእን ኣወሃህባ ግልገሎት ንምምሕያሽን ብዝተገበረ ምንቅስቓስን ብዙሓት ፈተናታት ከምዘጋጠሙ ዝሓበሩ እቶም ኮሚሽነር÷ ብፍላይ ምስ ዘይሕጋውያን ኣብ ዝገብሮ ምትሕንናቕ ህይወት ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን እቲ ኮሚሽን ከምዝሓልፍን ጉድኣት ኣካል ከምዝበፅሖም ተዛሪቦም፡፡

“እዚ ብዙሕ መስዋእትነት ተኸፊሉዎ ዝመፅአ ናይ ትካል ሪፎርም ፀለሎ ንምኽዳን ዝፅዕሩ ናይ ውሽጢ ይኹኑ ናይ ደገ ኣካላት ኣይንዕገስን” ዝበሉ ኮሚሽነር ደበሌ÷ ብፍላይ ኣብ እዋን ምሃብ ግልገሎት ዕንቅፋት ብዝፈጥሩ ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን ጥንኩር ስጉምቲ እናተወሰደ ከምዝርከብ እውም ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ዓሚል ብዝበፅሐ ምንግልታዕ ከምዝሓዘኑ ዝገለፁ እቶም ኮሚሽነር÷ ፀገም ዝፈጠሩ ሓደ ኣመራርሓን በዓል ሞያን ኣብቲ እዋን ምምሕዳራዊን ሕጋዊን ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኣብሪሆም፡፡

ኣብቲ እዋን እታ ዓሚል ዝፈፀመቶ ናይ ሕጊ ጥሕሰት ከምዘየለ ብምግላፅ፤ እታ ዓሚል ንዝበፅሓ ምንግልታዕን ምትእጉጓልን ብሽም እቲ ኮሚሽን ይቕሬታ ሓቲቶም፡፡

ኮሚሽነር ደበሌ÷ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ግልጋሎት ዝህቡ ብዙሓት ትካላት ከምዘለዉ ብምሕባር ፀገማት ምውርዋር ንዘላቒ ህንፀት ትካል ማሕለኻ ብምዃኑ ኩሎም ትካላት ኣብ ውሽጦም ዘሎ ፀገም ንኸፅርዩ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.