Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል 6ይ ሃገራዊ መረፃ ሰላማዊ ንምግባር ዝተዋደደ ስራሕ ምጅማሩ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል 6ይ ሃገራዊ መረፃ ሰላማዊ ንምግባር ዝተዋደደ ስራሕ ምጅማሩ ገሊፁ።

እቲ ኮሚሽን ምስ ኮሚሽነራት ፖሊስ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ኮንፈረንስ ቪዲዮ ኣካይዱ።

ኣብዘቲ ኣኼባ ድማ 6ይ ሃገራዊ መረፃ ሰላማዊ ንምግባር አርናተተግበሩ ዝርከቡ ተግባራት ኣመልኪቶም ልዝብ ገይሮም፡፡

ምክትል ኣካቢ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣይተ ውብሸት ኣየለ እውን ኣብቲ ኮንፈረንስ ቪዲዮ ተረኺቦም ክሳብ ሕዚ እናተሰርሑ ስራሕቲን ኣብ ዘሎ ከይዲ መረፃን ኣድሂቦም ሓሳብ ሂቦም፡፡

ኣብ ጉዳይ ምድላው መረፃ ብብርኪ ፌዴራል ብዝተዳለወ ትልሚ መሰረት ብምግባር ኩለን ክልላት ናይ ባዕለን ትልሚ ብምድላው በቢብርኩ ንዘለዉ ውዳበታት ፀፅታ ግንዛበ ሂበን ናብ ስራሕ ካብ ዘኣተዋሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ በቢክልለን ዘሎ ኩነታት ፀፅታን ንመረፃ ማሕለኻ ክኾኑ ኣብ ዝኽእሉ ጉዳያት ተዘቲዩ፡፡

ምስ ዝርገሐ ናውቲ መረፃ ተተሓሒዙ ፖሊስ ፌዴራል፣ ኮሚሽነራት ፖሊስ ክልላትን ክልቲአን ምምሕዳር ከተማታትን ብሓባር ብምውዳድ ኣብ ኩለን ጣቢያታት መረፃ ምብፃሕ ንኽኽእላን እቲ መረፃ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ፀፅታ ንኽዛዘም ኣብ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

ኮሚሽር ጀነራል ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል ኣብ መዛዘሚ እቲ ዘተ ከምዝበሉዎ፥ በቢብርኩ ዘሎ ስርዓት ርክብ ብምጥንኻርን ስራሕቲ ፀፅታ በቢ15 መዓልቲ ምግምጋም ኩሎም ኮሚሽነራት ፖሊስ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ምስ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ናይ ባዕሎም ቀዋሚ ርክብ ክህልዎም ይግባእ ምባሎም ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.