Fana: At a Speed of Life!

ኮሚቴ ሚኒስትራት ወሃቢ መልሲ ህፁፅ እዋን ተግባራት ኣወሃህባ ምላሽ ህፁፅ እዋን ገምጊሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚቴ ሚኒስትራት ወሃቢ መልሲ ህፁፅ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ዝተሳለጡ ተግባራት ኣወሃህባ ምላሽ ህፁፅ እዋን ገምጊሙ።

ብኣካብነት ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ኣብ ዝተሳለጠ ግምገማ፥ ኣብ መላእ ሃገር ክፍጠሩ ዝኽእሉ ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ፀገማት ቅድሚ ምፍጣሮም ምክልኻል ንኽከኣል ምላሽ ህፁፅ እዋን ኣብ ዝደሊዩ ጉዳያት ፀብፃብ ቅድመ ግምት ዳህሳስ መፅናዕቲ ቀሪቡ ልዝብ ተገይሩሉ፡፡

ንተገመትቲ ፀገማት ዝተዋደደን ጥንኩርን ምላሽ ምሃብ ንኽከኣል ካብ ዝተፈላለያ ሴክተር ቤት ዕዮታት ዝተውፃእፀአ ቅድመ ግምት ሓደጋን ኣወሃህባ ቅልጡፍ ምላሽን ዝትልምን ኣብቲ ቦታ ብምርካብን ዘተሓባብር ጉጅለ ሰብ ሞያታት ከምዝተሰየመ ተገሊፁ።

እቲ ኮሚቴ ኣብቲ ፀብፃብ ዝቐረቡ ኣመላኸትቲ ኩነታት ብዝርዝር ተዛቲዩ ክሳብ ሕዚ ብምውዳድ ዝተሰርሑ ዘበረታትዑ ተግባራት ልምዲ ብምውሳድ ተጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ኣንፈታት ኣቐሚጡ፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ቀፃሊ ካብ ወረዳ ክሳብ ፌዴራል በቢብርኩ ከጋጠሙ ዝኽእሉ ፀገማት ብሓባር ኣቐዲምካ ንምክልኻል ዘኽእል ቅልጡፍ ምላሽ ናይ መሃብ ከይዲ ተወሳኺ ኣሰራርሓን ኣወዳድባን ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.