Fana: At a Speed of Life!

ኮኾብ ተዋሳኣይ ብላክ ፓንተር ቻድዊክ ቦዝማን ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፊልም ብላክ ፓነተር ብዝነበሮ ተሳትፎ ተፈላጥነት ዝረኸበ ኣሜሪካዊ ተዋሳኣይ ቻድዊክ ቦዝማን ኣብ 43 ዓመቱ ብሕማም መንሽሮ/ካንሰር ከምዝዓረፈ ተገሊፁ።

ቦዝማን ኣብ ሎስኣንጀለስ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ በዓልቲቤቱን ኣባላት ስድርኡን ኣብ ጎድኑ ኣብ ዝነበርሉ ከም ዝዓረፈ ተገሊፁ።

እቲ ተዋሳኣይ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ጀሚሩ ብመንሽሮ መዓናጡ ክሳቐ እኳ እንተፀንሐ ኣብ ሚድያ ተዛሪብሉ ኣይፈልጥን።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተዘርግሐት ብላክ ፓንተር ኣብ ብዙሓት ሃገራት ናእዳ ዝረኸበት ብፍላይ ድማ ንኣፍሪቃውያንን ፀለምትን ክብሪ ዘጎናፀፈት ፊልም እያ ክበሃል ይከኣል።

እቲ ዜና ንኣፍቀርቲ ፊልም ኣደንፅዩ እዩ።

ዳይሬክተር ጌት ኣውት ጆርዳን ፔሊ ነቲ ዘጋጠመ ሕልፈት ህይወት ቻድዊክ ቦዝማን፥ “ተስፋ ዘቑርፅ” ክብል ገሊፂዎ።

ቦዝማን ሓቀኛ ሰባት’ውን ወኪሉ ብምውሳእ ፍሉጥ እዩ ነይሩ፥ በዚ ድማ ተፃዋቲ ቤዝቦል ጃኬ ፎቢንሰን ከምኡውን ደራፊ ሙዚቃ ሶል ጀምስ ብራውን ወኪሉ ተዋሲኡ’ዩ።

ብዙሓት ግና በቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝዘርግሖ ፊልም ብላክ ፓንተር ዝያዳ ይዝክርዎ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.