Fana: At a Speed of Life!

ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መገዲ ንምዝዛም መንግስቲ ዝጀመሮም ፃዕሪታት ሕዚ እውን ኣጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ – መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መገዲ ንምዝዛም መንግስቲ ዝጀመሮም ፃዕሪታት ሕዚ እውን ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር እቲ ኣገልግሎት ለገሰ ቱሉሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ብኲናት ጉድኣት ዝበፅሖም መብዛሕተኦም ከባቢታት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ምስ ዓለም ለኸ ለገስቲ ብምትሕብባር ዘይተቛረፀ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽረኽቡ እናተገበረ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡

መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብፍላይ ጥዕና፣ ባንኪ፣ ቴሌኮም፣ ኤሌክትሪክን ቀረብ ፅሩይ መስተ ማይን ዓቕሚ ብዝፈቐደዶ ኣገልግሎት ተቛሪፁዎም ዝነበሩ ከባቢታት ብልዑል ፍጥነት መሊስካ ብምህናፅ ዳግም ኣገልግሎት ንኽረኽቡ እናተገበረ ከምዝኾነ ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም።

ብዮሐንስ ደርበው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.