Fana: At a Speed of Life!

ኳታር ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ምክልኻል ቫይረስኮሮና ዝውዕል ናውቲ ሕክምና ሓገዝ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፈንድ ልምዓት መንግስቲ ኳታር ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየድ ምክልኻል ቫይረስኮሮና ዝውዕል ናውቲ ሕክምና ሓገዝ ገይሩ።

እቶም ናውቲ ሕክምና 9 ቶን ክብደት ዘለዎም እንትኾኑ፥ ኢትዮጵያ ኮቪድ 19 ንምክልኻልን ምቁፅፃርን ዓሊሙ ንዝገብሮ ምንቅስቓስ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኳታር ዘውፅኦ ሓበሬታ የረድእ።

ብመገዲ ኣየር ኳታር ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝተልኣኹ ድማ ተሓቢሩ።

ኳታር ንኢትዮጵያ ዝገበረቶ ሓገዝ ምስጋና ዘቕረበ ኤምባሲ ኢትዮጵያ፥ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ እናተጠናኸረ ከምዝመፅአ ዘርእይ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.