Fana: At a Speed of Life!

ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ብሓደጋ ውሕጅ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ሓገዝ ንምግባር ሰመራ ኣቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክልል ዓፋር ብሓደጋ ውሕጅ ንዝተጎድኡ ዜጋታት ሓገዝ ንምግባር ናብ ከተማ ሰመራ ኣቲየን።

እተን ምክትል ከንቲባ ኣብ ሰመራ መዕርፎ ነፈርቲ ሱልጣን ዓሊሚራህ ሃንፈሬ እንትበፅሓ፥ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣይተ ኣወል ኣርባ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓታት እቲ ክልልን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ኣቀባበል ከምዝገበሩለን ካብ ፕሬስ ሴክሬቴሪያት ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፥ ኣብ ክልል ዓፋር ብምኽንያት ምምላእ ማይ ሩባ ኣዋሽ ዝተፈጠረ ሓደጋ ውሕጅን ምዕልቕላቕን ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ዝውዕል ብር 10 ሚሊየን ብዓይነት፤ ብር ክልተ ሚሊየን ድማ ብጥረ ገንዘብ ብድምሩ ብር 12 ሚሊየን ሓገዝ ንምግባር ካቢኔ እታ ከተማ ምውሳኑ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.