Fana: At a Speed of Life!

ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል ምስ ዋና ፀሓፊት ጉዳያት ፖለቲካን ህንፀት ሰላምን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ሰላም ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል ምስ ዋና ፀሓፊት ጉዳያት ፖለቲካን ህንፀት ሰላምን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሮዝሜሪ ዲያካርሎ ተዛቲየን።

ኣብ እዋን እቲ ዘተ ሚኒስቴር ሰላም ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝጣየሽ ጀሚሩ ዝሰርሖም ዘሎ ስራሕቲ ብዝምልከት ወ/ሮ ሙፈሪሃት ኣብሪሀን።

ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲታት ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚን ማሕበራዊን ልዑላት ለውጢታት የምፅእ ኣሎ ዝበላ እተን ሚኒስትር፥ ንህንፀት ሰላም እውን ልዑል ትኹረት ከምዝተውሃቦ ሓቢረን።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ኢትዮጵያ ይኹን ቀጠና ኣፍሪካ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ ዓሊሙ ትኹረት ዝገብር ኣብ ማሕበራዊ ሃፍቲታት ኢዩ እውን ተዛሪበን።

ኒዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ንህንፀት ሰላም ዘገልግሉ ብዙሓት ተመክሮታትን ልምዲታትን ከምዘለዉ ሓቢረን።

ዋና ፀሓፊት ጉዳያት ፖለቲካን ህንፀት ሰላምን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሮዝሜሪ ዲያካርሎ ብግደአን፥ ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት ሰላም ልዑል ልምዲ ዘለዋ ሃገር ከምዝኾነት ገሊፀን።

ኣብ ቀፃሊ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ሓቢረን ከምዝሰርሓ እውን ተዛሪበን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.