Fana: At a Speed of Life!

ዊንጉ ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሃነፆ ማእኸል ዳታ ዓለም ለኸ መለክዒ ስለዘማለአ ወረቐት ምስክር ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዊንጉ ኣፍሪካ ብ50 ሚሊየን ዶላር ወፃኢ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሃነፆ ማእኸል ዳታ ዓለም ለኸ መለክዒታት ብምላእ ወረቐት ምስክር ረኺቡ።

ዓለም ለኸ ምዘና እናተገበረሉ ብምፅናሕ ደረጃ ”ቲር” 3 ብምምላእ ወረቐት ምስክር ዝረኸበ እቲ ማእኸል÷ ንመንግስቲን ውልቀ ትካላትን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ቅልጡፍ ዘተኣማምንን ግልጋሎት ሓበሬታ ከምዝህብ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ይሽሩን ኣለማየሁ (ዶ/ር)÷ እቲ ማእኸል ወረቐት ምስክር ምርካቡ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ዘሎ ተወዳዳሪነት ካብ ምድንፋዕ ሓሊፉ ስግግር ዲጂታል ኢትዮጵያን ዘቀላጥፍ ምዃኑ ኣልዒሎም፡፡

ዋና ፈፃ ስራሕ ዊንጉ ኣፍሪካ ኣንቶኒ ቮስካርዲስ ብግደኦም÷ ወረቐት ምስክር ምርካቡ ኣብ ጉዕዞ ትራንስፎርሜሽን ዲጂታል ኢትዮጵያ ዓብዪ ምዕራፍ ከምዝኸፍት ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.