Fana: At a Speed of Life!

ዋና ኣካያዲት ስራሕ ኢትዮ-ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ኣብ ኣፍሪካ ዝበለፀ ሽልማት ዋና ኣፈፀምቲ ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ተዓዊተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ኣካያዲት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍረሂወት ታምሩ ኣብ ዓውዲ ቴሌኮሙኒኬሽን ሽልማት ዝበለፀ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣፍሪካ 2022 ዓ.ም ተዓዊተን።

እቲ ሽልማት ዝተበርከተለን “ዘ ቢዝነስ ኤግዚኪዩቲቭ” ዝተብሃለ ኣብ ጋና ዝርከብ ሚድያ ፓን ዌስት ኣፍሪካ ኣብ ሞሪሸስ ኣብ ዝተሰናደአ  ስነ-ስርዓት ሽልማት ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣፍሪካ 2022 ዓ.ም ከምዝኾነ ካብ ኢትዮ ቴሌኮም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ንግዲ ዝተዋፈሩ ዋና መካየድቲ ስራሕ ኣብ ዕውትነት 17 ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍሪካ ንዝገበርዎ ኣበርክቶ ብምንፅፃር ነቲ ሽልማት ከምዝሃበ ተገሊፁ ።

ኣብ ዓውዲ ቴሌኮሙኒኬሽን ድማ ዋና መካያዲቲ ስራሕ ቴሌኮም ሞሮኮ ማሮክ ቴሌኮም፣ ቴሌኮም ኬንያ ሳፋሪኮም፣ ቴሌኮም ግብፂ ኢትሳላትን ቴሌኮም ኢትዮጵያ ኢትዮ ቴሌኮምን ሕፁያት ተወዳደርቲ ኮይኖም ምቕራቦም ተሓቢሩ።

ኣብቲ ውድድር ዋና ኣካያዲት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍረሂወት ታምሩ፥ ዝበለፀ ሽልማት ዋና ኣካያዲት ስራሕ ኣፍሪካ 2022 ከምዝተሸለማ እቲ ትካል ሚድያ ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.