Fana: At a Speed of Life!

ውስኑነት ዕቤት ኣእምሮ ኣብ ዘለዎም ወገናት ምስራሕ ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኩልና ብዝኸኣልናዮ መጠን ውስኑነት ዕቤት ኣእምሮ ኣብ ዘለዎም ወገናት ምስራሕ ከምዝግባእ” ክብላ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣገንዚበን።

ዓለም ለኸ መዓልቲ ውስኑነት ዕቤት ኣእምሮን መርሃ ግብሪ “መጋቢት ምስ ዲቦራ”ን ኣብ ኣደባባይ ወዳጅነት ተኸቢሩ።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበረኦ መደረ÷ ”ኩልና ብዝኸኣልናዮ መጠን ውስኑነት ዕቤት ኣእምሮ ኣብ ዘለዎም ወገናት ምስራሕ ከምዝግባእ” ክብላ ኣገንዚበን፡፡

ፋውንዴሽን ዲቦራ ተስፋ ሂቡና ኢዩ ዝበላ እተን ፕሬዚዳንት÷ ውስኑነት ዕቤት ኣእምሮ ዘለዎም ወገናት እንድሕር ሓጊዝናዮምን ዕድል እንተሂብናዮምን ናይ ፅባሕ ተስፋ ሃገር ክኾኑ ከምዝኽእሉ ገሊፀን።

ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ብግደአን÷ ውስኑነት ዕቤት ኣእምሮ ዘለዎም ወገናት ማዕረ ተሳተፍቲን ተጠቀምቲን ንምግባር እቲ ጉዳይ ኣብ ሕጊ ጉዱኣት ኣካል ክኣቱ ከምዝተገበረ ኣፍሊጠን፡፡

ብቅድስት ኣባተ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.