Fana: At a Speed of Life!

ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ዝኸፈተልና ዕድል ብምጥቃም ህዝቢና ክንክሕስ ይግባእ-ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ወከልቲ ማሕበረሰብ ንግድን ሰብ ሃፍትን ክልል ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ሆቴል ፕላኔት ሎሚ መዓልቲ ተዛቲዮም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሓዊሱ ኣባላት ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ መዳርግቲ ኣካላትን ካብ ዝተፈላለያ ከተማታትን ገፀር ወረዳታትን ዝተወከሉ ኣባላት ማሕበረሰብ ንግዲን ይሳተፉ ኣለዉ።

ዕላማ እቲ መድረኽ፥ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝሓዞም መደባት፣ ዝወጠኖም ኣንፈታትን ኣብ ህልው ኩነታትን ብምዝታይ ናይ ሓባር ኣረዳድኣን ኣተሓሳስባን ንምፍጣር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ካብዚ ብምብጋስ ንዳግመ ህንፀንት ትግራይ ብተመሳሳሊ ቅኒት ንምውፍራ ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ  ናይ መኸተ፣  ጅግንነትን ፅንዓትን ታሪኽ እዩ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው፥ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ዝኸፈተልና ዕድል ብምጥቃም ነዚ ኩሉ ዝገበረ ህዝቢ’ዚ ክንክሕስ ይግባእ ኢሎም።

ነዚ ድማ ህዝቢ ብምኽንያት እቲ ኲናት ካብ ዘጋጠሞ ከቢድ ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ፀገማት ብቕልጠፍ ንክወፅእ ከምቲ ልሙድ ኢድ ንኢድ ተተሓሕዝና ክንረባረብ ኣለና ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.