Fana: At a Speed of Life!

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘፅደቖ ውሳነ ደው ምባል ተዂሲ ጋዛ ዓለም ለኸ ደገፍ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘፅደቖ ውሳነ ደው ምባል ተዂሲ ጋዛ ብዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት ደገፍ ረኺቡ።

ኣብ ጋዛ ኲናት ካብ ዝጅምር ጀሚሩ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውሕመ ህፁፅ ውሳነ ሓሳብ ደው ምባል ተዂሲ እንተፅድቕ ፈላማይ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ፥ እቲ ውሳነ ሓሳብ ተግባራዊ ክግበር ከምዝግባእ ብኣፅንኦት ምግላፆም ኣልጀዚራ ፀብፂቡ።

እስራኤል ኣብዚ ሰሙን ኣብ ማእከላዊ ጋዛ ብዝፈፀመቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብውሕዱ 22 ሰባት፣ ኣብ ደቡብ ፋራህ እውን 30 ፍሊስጤማዊያን ህይወቶም ምሕላፉ ተገሊፁ።

ኲናት እስራኤል ሃማስ ካብ ዝጅመረሉ 7 ጥቅምቲ 2023 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ በውሕዱ 32 ሺሕ ፍልስጤማዊያን እንትሞቱ፥ 74 ሺሕን 694 ጉድኣት ከምዘጋጠሞም ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.