Fana: At a Speed of Life!

ውድድር ላዕለዋይ ሊግ ኢትዮጵያ 17 ጥቅምቲ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድድር ላዕለዋይ ሊግ ኢትዮጵያ 17 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ከምዝጅመር ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ፌደሬሽን ዘበን ውድድር 2016 ላዕለዋይ ሊግ ኢትዮጵያ ዝጅምረሉ ዕለትን ካልኦት ተተሓሓዝቲ  ሓበታታትን ንተሳተፍቲ ጋንታታት ምፍላጡ ሓቢሩ፡፡

ብመሰረት እዚ መርሃ ግብሪ ምውፃእ ዕጫ 3  ጥቅምቲ ዝካየድ እንትኸውን÷ እቲ ውድድር ድማ 17 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ከምዝጅመር ካብቲ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ጋንታታት ምዝገበአን ክሳብ 11 መስከረም፤ ክፍሊት ዳያኑን ተዓዘብቲን ድማ ክሳብ 30 መስከረም ንኽዛዝማ እቲ ፌዴሬሽን ኣተሓሳሲቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.