Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢብ46 ሚኢታዊ ምንካይ ኣርኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብ46 ሚኢታዊ ምንካይ ከምዘርአየ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ጉባኤ ንግዲን ልምዓትን (ዩኒታድ) ኣፍሊጡ።

እቲ ጉባኤ ዝዓበየ ምንካይ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ዘጋጠመ ኣብ ውሽጢ ዝማዕበላ ሃገራት እንትኸውን፥ ኩሉ ዓይነት ቀጥታ ኢንቨስትመንት ከምዘቋረፀ ገሊፁ።

ዓለም ለኸ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ምስ ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2019 እንትነፃፀር ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2020 49 ሚኢታዊ ምንካይ ኣርኢዩ።

ቀንዲ ምኽንያት ምውዳቕ ጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ድማ ብብርኪ ዓለም ዝተወለዐ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዘሕደሮ ፅዕንቶ ልዑል ብፅሒት ዝሕዝ ኢዩ ተባሂሉ።

ቫይረስ ኮሮና ኣብ ዝተረኣየሉ እዋን ሃገራት ዓለም ገደብ ምንቅስቓስ ብምግባረን፥ ዝነበሩ ዕቤት ፕሮጀክትታት  ኢንቨስትመንት ድኹም ክኸውን ከምዝገበሮ ተሓቢሩ።

እቲ ለበዳ ዘስዐቦ ከቢድ ውድቀት ኢኮኖሚ፥ ዓለም ለኸ አንተርፕራይዛት ካልኦት መማረፂታት ንኽሪኡ ከምዝገበሮም ተገሊፁ።

ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብብርኪ ዓለም ብፍላይ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ከቢድ ፅዕንቶ ከምዘነበሮ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ኣብ ማዕበልቲ ሃገራት ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 2020 ዘሕደሮ ፅንቶ ብኣንፃራዊነት እንትረአ ዝሐሸ ከምዝነበረ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ጉባኤ ንግዲን ልምዓትን ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ዝማዕበላ ሃገራት ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ 98 ቢሊየን ዶላር ዝግመት ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ከምዝሰኣናን ምስ 2019 እንትነፃፀር 75 ሚኢታዊ ነክዩ ኢዩ።

ኣብ እናማዕበላ ዝርከባ ሃገራት ዝተርኣየ ምንካይ ፍሰት ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ 16 ሚኢታዊ ይኹን እምበር፥ ትፅቢት ካብ ዝተገበረሉ ንታሕቲ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ኣመላኺቱ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.