Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ድጋፍ 60 ሚሊየን ዶላር ዕላዊ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ(ዩኤስኤአይዲ) ንኢትዮጵያ ድጋፍ 60 ሚሊየን ዶላር ዕላዊ ገይሩ።

እቲ ደገፍ፥ “ፊድ ዘ ፊውቸር ኢትዮጵያ ሃይላንድስ” ንዝተብሃለ መርሃ ግብሪ መጣየሺ ዝውዕል ኢዩ ተባሂሉ።

120 ሺሕ ንዝኾኑ ብሴፍቲኔት ንዝተመረቑ ተቓላዕቲ መራሕቲ ስድራ ምስ ዕዳጋን ገንዘብን ብምርኻብ ናብረኦም ንምምሕያሽ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ መርሃ ገብሪ ኣብ ዝቕፅሉ 5 ዓማውቲ ብሜርሲ ኮርፕስን ሓሙሽተ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ከምኡውን ክልተ መዳርግቲ ከምዝምራሕ ተሓቢሩ።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያ፣ ሲዳማ፣ ደቡብን ማዕከላዊ ኢትዮጵያን ተግባራዊ ዝግበር ከምዝኾነ ኣብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.