Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ምትሕብባር ደቡብ ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ምትሕብባር ልምዓት ከጠናኽር ከምዝደሊ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ምትሕብባር ደቡብ ኮሪያ (ኮይካ) ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ምትሕብባር ልምዓት ከጠናኽር ከምዝደሊ ገሊፁ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ኮሪያ ደሴ ዳልኬ ምስ ፕሬዚዳንት እቲ ኤጀንሲ ሂዩክ ሳንግ ሶህን ተዛቲዮም፡፡

ኣምባሳደር ደሴ ዳልኬ÷ እቲ አኤጀንሲ ኣብ ህንፀፅ ሓይሊ ሰብ፣ ልምዓት ገፀር፣ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ለውጢ ንብረት ኣየር፣ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ፣ ህንፀፅ ሰላምን መሰል ዘፈራትን ኣብ ኢትዮጵያ ክፃወቶ ዝኽእል ግደ ኣመልኪቶም መብርሂ ሂቦም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዘፈር ምፍራይ ምትእስሳር እታወት ዝሓዘቶም ብሓባር ናይ ምስራሕ ድሌታት ዝምልከት ገለፃ እውን ገይሮም።

ኣብ እዋን ዘተኦም ኢትዮጵያውያን ተምሃሮ ዕድል ትምህርቲ ዝረኽቡሉ መገዲ እውን ሓቲቶም፡፡

ፕሬዚዳንት “ኮይካ” ሂዩክ ሳንግ ብግደኦም÷ እቲ ኤጀንሲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ምትሕብባር ብዝበለፀ ከመዘጠናኽር ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያውያን ኣብ ደቡብ ኮሪያ ዕድል ትምህቲ ዝረኽቡሉ ኩነታት ከምዘመቻችዉ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝራኸብናዮ ሓበሬታየረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.