Fana: At a Speed of Life!

ዓለም ለኻዊ ጉጅለ ልኡኽ ሕብረት ቴሌኮም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይዛተ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኻዊ ጉጅለ ልኡኽ ሕብረት ቴሌኮም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይዛተ ኣሎ።

መበል ሻድሻይ ዓለም ለኻዊ ኮንፈረንስ ልምዓት ቴሌኮም ካብ 27 ግንቦት 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ኣፍሪካ ንመጀመሪያ ጊዘ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ።

ልዕሊ 2 ሺሕ ኣጋይሽ ዘተኣናግድ እቲ ኮንፈረንስ ብዕዉት ኩነታት ንክዛዘም ኢትዮጵያ ምድላው ትገብር ከምዘላ ተገሊፁ።

ኣብቲ ምድላት ተወከልቲ እቲ ሕብረት ካብ ኮሚቴ ምድላው ኮንፈረንስ ልምዓት ቴሌኮም ዝመፅኡ ኢዮም ዝዛተዩ ዘለዉ።

ምክትል ኣካቢ እቲ ኮሚቴ ኢንጂነር ባልቻ ሬባ፥ እቲ ኮሚቴ ሓቃዊ መድረኽ ኣፍሪካ ንምግባር ንሰርሕ ኣለና ኢሎም።

እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ንባዕላ ንዓለም እተፋልጠሉ መድረኽ ምዃኑ ብምግላፅ፥ ነቲ ጉባኤ ዕዉትነት ኩሉ ርብርብ ንክገብር ምፅውዖም ካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.