Fana: At a Speed of Life!

ዓቃቢ ሕጊ ኣብ መዝገብ እኒ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ጀነራል ገብረፃድቃን ገ/ትንሳኤ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 74 ሰባት ክሲ መስሪቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣21 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓቃቢ ሕጊ ኣብ መዝገብ እኒ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ጀነራል ገብረፃድቃን ገ/ትንሳኤ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 74 ሰባት ክሲ መስሪቱ።

ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል ኣብ ልዕሊ እቶም ተከሰስቲ ዝመስረቶ ክሲ፥ እቶም ተኸሰስቲ መንግስቲ ፌዴራል ብሓይሊ ንምልዋጥ ብምሕሳብ ብግብረ ራዕዲ ምስ ዝተፈረጀ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣመራርሓ ተልእኾ ብምቕባል መጥቃዕቲ ንምብፃሕ ዝኽእል ማእኸላዊ መንግስቲ ትግራይ ወተሃደራዊ ኮማንድ ብምውዳብን ብምምራሕን ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ሰሜን፣ ፌዴራል ፖሊስን ትካላት መንግስቲ ፌዴራልን ከምኡውን ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብምብፅሖም ኢዩ።

ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ፌዴራል ብ1996 ዓ.ም ዝወፅአ ገበን ሕጊ ዓንቀፅ 32(1)(ሀ)(ለ)፣33፣35፣38ን ገበን ግብረ ራዕዲ ንምክልኻለን ንምቁፅፃርን ብ2012 ዓ.ም ዝወፅአ ኣዋጅ ቁፅሪ 1176/2012 ዓንቀፅ 3(2) ዝተመልከት ድንጋገ ጥሒሶም ብምርካቦም ክሲ ገበን ራዕዲ/ሽብር ከምዝመስረተሎም ኣፍሊጡ።

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ነቲ ክሲ “ኣስረጅነት” ልዕሊ 500 መሰኻኽር ሰባትን ካብ 5 ሺሕ ንላዕሊ  ገፅ መረዳእታታት ሰነድን ብምትሕሓዝ ከምኡውን መረዳእታታት ቴክኒክን ቪዲዮን ብምትሕሓዝ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረበ ካብ ላዕለዋይ ዓቃቤ ሕጊ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ክሱ የቀረበለት የፌዴራሉ ከፍተኛ ፍርድ ቤት 3ተኛ የፀረ ሽብር ወንጀል ችሎት በመዝገብ ቁጥር 272829 የሽብር መዝገቡ ተከፍቶ ጉዳዩን እየተመለከተዉ ይገኛል፡፡

እቲ ክሲ ዝቐረበሉ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ሳልሳይ መጋባእያ ገበን ፀረ ግብረ ራዕዲ ኣብ መዝገብ ቁፅሪ 272829 መዝገብ ሽብር ተኸፊቱ እቲ ጉዳይ ይርእዮ ከምዘሎ ተገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.