Fana: At a Speed of Life!

ዓቃቢ ሕጊ ኣብ እኒ ጃዋር መሓመድ ብዕፁው መጋባእያ መሰኻኽር ከስምዕ ኢሉ ዘቕረቦ ሕቶ ተነፂጉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓቃቢ ሕጊ ኣብ እኒ ጃዋር መሓመድ ብዕፁው መጋባእያ መሰኻኽር ከስምዕ ኢሉ ዘቕረቦ ሕቶ ተነፂጉ።

ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዝሓለፈ ቆፀሮ ብመሰረት ኣዋጅ ሓለዋ መሰኻኽር ንድሕንነት መሰኻኽር እንትበሃል “መሰኻኽረይ ኣብ ድሕሪ መጋረዲን ኣብ ዕፁው መጋባእያን ከስምዕ” ክብል ስምዕታ ኣቕሪቡ ነይሩ፡፡

ተኸሰስቲ እውን መሰል ምክልኻልና ዝእግድን ስምዕታ ዓቃቢ ሕጊ ዘእምን ኣይኮነን ብምባል ሕቶ ዓቃቢ ሕጊ ንኽንፀግ ኣመልኪቶም ምንባሮም ዝዝከር ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ መጋባእያ ልደታ 1ይ ገበን ፀረ ግብረ ራዕዲን ጉዳያት ሕገ-መንግስቲን ነቲ ሕቶ መርሚሩ ነፂጉዎ፡፡

እቲ መጋባእያ ሎሚ መዓልቲ ኣይተ ጃዋር መሓመድ ሓዊሱ ኩሎም ተጠርጠርቲ ኣብ ዝተረኸቡሉ ጉዳዮም ተመልኪቱ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ዓቃቢ ሕጊ ኣብ ዝሓለፈ ቆፀሮ ኣዋጅ ሓለዋ ምስክር 699/2003 ዓንቀፅ 4/1 ሸን ቀን መሰረት ብምግባር ን146 መሰኻኽር ሓለዋ ተገይሩ ኢሉ ክብ ምፅራሕ ብዝዘለለ ኣብ ልዕሊ መሰኻኽር ክበፅሕ ዝኽእል ጉድኣት ብመረዳእታ ዘይተደገፈ ስለዝኾነ እኹል ምኽንያት ኮይኑ ኣይረኸብኩዎን ክብል መሰኻኽር ኣብ ቅሉዕ መጋባእያ ምስክሮም ንኽህቡ ብይን ሂቡ።

ይኹን እምበር ተኸሰስቲ ዝርዝር መሰኻኽር ይገለፀልና ኢሎም ዘቕረቡዎ ስምዕታ ብዝምልከት ቤት ፍርዲ ንድሕንነት መሰኻኽር እንትበሃል መንነት ኣይገለፅ ክብል ነቲ ሕቶ ነፂጉዎ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.